ኣብ ክልል ትግራይ ብ44 ትካላት ተራድኦ ኣቢሉ ክሳብ ወረዳ ሰብኣዊ ሓገዝ ይከፋፈል ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብ44 ትካላት ተራድኦ ኣቢሉ ክሳብ ወረዳ ሰብኣዊ ሓገዝ እናተኸፋፈለ ምዃኑ ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይ ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ሓደ ሓደ መራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢን ማሕበራዊ መራኸቢታትን “ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ እናበፅሐ ኣይኮነን” ብዝብል ዘናፈስ ወረ ሓሶት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብኣንፃሩ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ተሓገዝቲ ዝከፋፈል ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ምስ መሓዙት ትካላት ተዋዲዱ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ – መቐለ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምጉዕዓዝ ዝተፈቐዱ 21 በረራታት ኣውሮፕላን ክሳብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ዕዉት በረራ ከምዝገበሩ ተዛሪቦም።

ብየብስ ኣቢሉ ድማ 686 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ተሸከርከርቲ ብክልል ዓፋር ኣቢለን ናብ መቐለ ከምዝተጓዓዓዛ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ንዝንቀሳቐሱ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቕረብቲ ትካላት ንዘከፋፍሉዎ ሓገዝ መፈፀሚን ኣስተዳደራዊ ስራሕቲን ዝውዕል 286 ሚሊየን ብር ናብ መቐለ ንኸጓዓዕዙ መረጋገፂ ከምዝተውሃቦም እውን እቶም ዳይሬክተር ኣፍሊጦም።

ይኹን እምበር ናይ ወፃ መራኸብቲ ሓፋሽ ሕቡእ ዕላመኦም ንምዕዋትን መንግስቲ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ንምፅእላእን ዘጋውሑዎ ዝተሰሓሓተ ፀብፃብ ተቐባልነት ዘይብሌ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment