ኣብ ክልል ትግራይ “ብግፍዒ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ገበናት” ዘፃሪ ጉጅለ ምርመራ ስርሑ ጀሚሩ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴሪኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ “ብግፍዒ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ገበናት” ዘፃሪ ጉጅለ ምርመራ ናብቲ ቦታ ተጓዒዙ ስርሑ ከምዝጀመረ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ መንግስቲ ስጉምቲ ምኽር ሕጊ እናካየደ ይርከብ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዶክተር ጌዴኦን ጢሞቴዎስ፥ ኣብ ክልል ትግራይ እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት ወፃኢ ሃገራት መግለፂ ሂቦም።

እቶም ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፥ ኣብ ማይ ካድራ ሓዊሱ ኣብ ክልል ትግራይ “ብግፍዒ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ገበናት” ዘፃሪ ጉጅለ ምርመራ ኣብቲ ከባቢ በፂሑ ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ኣመራርሓታት ህወሓት ብከቢድ ገበን ዘጠይቑ ዝኽእሉ ገበናት ከምዝፈፀሙ እቶም ዓቃቢ ሕጊ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ኣብ ካምፕታት እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ ተግባር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምጥቃዕ ዝተፈፀመ ተግባር ብኸቢድ ገበን ዘሕትት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ሮኬት እውን ብተግባር ግብረ ራዕዲ ከሕትቱ ዝኽእሉ ገበናት ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኢዶም ኣለዎ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣካላት ፖሊስ ፌዴራልን ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊን ብቤት ፍርዲ ኣቢሉ ትእዛዝ ማእሰርቲ ክወፅአሎም ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ምርመራ ድማ ተጠርጠርቲ ተባሂሎም ዝተፈለዩ ሰባት ቁፅሮም 167 ከምዝበፅሐ እውን ገሊፆም።

እቲ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣብ ውሽጢ ማዕቐፍ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኮይኑ እናተሳለጠ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ናይ ውልቀ ትካላት ኮይኖም ኣብ ተግባር ገበን ጉጅለ ህወሓት ተሳትፎ ገይሮም ዝተብሃሉ 34 ትካላት ቁፅሪ ሒሳብ ባንኮም ሓዊሱ ካብ ተንቀሳቓሲ ክሳብ ዘይንቀሳቐሱ ንብረቶም ካብ 7 ሕዳር 2013 ዓ.ም ጀሚሮም ከምዝተኣገዱ ዶክተር ጌዴኦን ኣገንዚቦም።

እተን ትካላት ብሄር ተኮር መጥቃዕቲን ተግባር ግብረ ራዕዲን ንኽፍፀም ገንዘባዊ ሓገዝ ብምቕራብ፣ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምዕናው ምስ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ህወሓት ርክብ ፈጢሮም ተባሂሎም ስለዝተጠርጠሩ ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment