ኣብ ክልል ትግራይ ሞት ሰላማዊ ዜጋታት ኣመልኪቶም ዝወፅኡ ሓበሬታታት ዘይተረጋገፁን ካብ ዘይተሳኸዐ ድሌት ፖለቲካ ተበጊሶም ዝፍነዉ ኢዮም – መፃረዪ ሓረበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ሞት ሰላማዊ ዜጋታት ኣመልኪቶም ዝወፅኡ ሓበሬታታት ዘይተረጋገፁን ካብ ዘይተሳኸዐ ድሌት ፖለቲካ ተበጊሶም ዝፍነዉ ከምዝኾኑ መፃረዪ ሓረበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ።

እቲ መፃረዪ ሓበሬታ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝተፈፀመ ዝኾነ ይኹን ሞት ንመንግስቲ ዘሕዝኖ ምዃኑ ገሊፁ።

ናይ ሓደ ሰብ ሞት እውን ብጣዕሚ ብዙሕ ኢዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝበፅ ጉድኣት ሓዘን ከምዝስመዖ ኣብቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ይኹን እምበር እቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ሰራዊት ምክልኻል ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ትልሚን ሞያዊ ስነ-ምግባርን ብምስርሑ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ጉድኣት ምግጣሙ ዘርኢ ሓበሬታ ከምዘየለ ኢዩ ገሊፁ ዘሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment