ኣብ ክልል ትግራይ ምስሳን ምህርቲ ሕርሻን ምዕዋት ክረምታዊ መደባትን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ክልል ትግራይ ኣብ መዳይ ወፍሪ ምስሳን ምህርቲ ሕርሻን ምዕዋት ክረምታዊ መደባትን ዝጥምት መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ መዳይ ብርሰት ኣግራብ፣ ጨፍጫፍ ደንን ሳዕቤናቱን ዝጥምቱ ፀብፃባት ንምይይጥ ቐሪቦም ብዑምቆት ከም ዝተዘተየሎምን ተሓቢሩ።

ሓላፊ ዘፈር ስግግር ዕቤት ቑጠባ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ  ኣይተ በየነ መኩሩ፥ እቲ መድረኽ ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ ተፈጥሮን ልምዓት ደንን ዝበፅሕ ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን ንምቁፅፃር ወሳኒ ግደ ኣለዎ ኢሎም።

እቲ መደብ ንክዕወት ድማ ኩሎም ዓቕምታት ኣዋዲድካን ኣሳቲፍካን ምስራሕ ከምዘድሊ ምሕባሮም ተገሊፁ።

“ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኣዕናዊ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ ተፈጥሮና ከቢድ ኣብፂሑ እዩ፤ በዚ እውን ኣዝዩ ትሑት ቑጠባ እዩ ዘለና” ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ካብዚ ንምንጋፍ ዕቱብ ዝኾነ ስራሕ ከስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ፥ ኣብ ሕሉፍ ዓለምለኸ ሞሳን ኣፍልጦን ረኺብናሉ ዝነበረ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ብሰንኪ ኲናት ከቢድ ሃሰያ በፂሕዎ ቑጠባና እውን ተዳኺሙ እዩ ኢሎም።

ነዚ ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ከምዘድሊ መግላፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ መድረኽ ኣመራርሓን ሰብሞያን ሕርሻ፣ ኣካላት ፀጥታ፣ ዓቀብቲ ሕጊ፣ ዳያኑ፣ ኣመራርሓ ወረዳን ጣብያታትን ከምኡውን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ምስታፎም ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment