ኣብ ክልል ትግራይ መርሃ ግብሪ ምትካል 500 ሚሊየን ፈልሲ ኣብ ሓደ ፀሓይ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ መርሃ ግብሪ ምትካል 500 ሚሊየን ፈልሲ ኣብ ሓደ ፀሓይ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፣ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሕርሻ ፕሮፌሰር እያሱ ኤሊያስ፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተረኺቦም።

ኣፈጉባኤ ታገሰ ጫፎ፥  ትግራይ  ከም ክልል ብልምዓት ተፋሰስን ተኸላ ፈልሲን ዝተፈለጠ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተረኸበ ሰላም ብምሓዝ ንዝበለፀ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ዝተረኸበ ሰላም ንምጥንኻር መንግስቲ ፌዴራል ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣይተ ጌታቸው ብግደኦም፥ ሰላም ነጊሱ ናብ ከምዚ ዝበለ ልምዓት ምምላስ ምኽኣሉ ፅቡቕ ኢዩ ኢሎም።ሠ

ዝተረኸበ ሰላም ኣብ ምጥንኻር ጠንኪሮም ከምዝሰርሑ ምብርሆም ትፕኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment