ኣብ ክልል ትግራይ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ምሃብ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ብስኪ ኣጋጢሙ ዝነበረ ጎንፂ ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ሎሚ መዓልቲ ምሃብ ተጀሚሩ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኪሮስ ጉዕሽ (ዶ/ር) ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ 9 ሺሕን 514 ተምሃሮ ክወስዱ ኢዮም፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 6 ሺሕን 513 ተምሃሮ ተፈተንቲ ተፈጥሮ ሳይንስ እንትኾኑ÷ 3 ሺሕን 1 ዝኾኑ ድማ ብማሕበራዊ ሳይንስ ዝፍተኑ ኢዮም፡፡

እቶም ተምሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት መቐለ፣ ኣኽሱም፣ ዓዲግራትን ራያን እዮም መልቀቒ ፈተነኦም እናወሰዱ ዝርከቡ፡፡

እቲ ፈተና ካብቲ ክልልን ሚኒስቴር ትምህርቲን ዝተወደበ ኮሚቴ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር እናተውሃበ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment