ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ሓደሽቲ ዲጂታል ቴክኖሎጂታት ንኽስፋሕፍሑ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካልት ልምዓት መንግስቲ ሓቲቱ።
እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብኣአካል ብምርካብ ትዕዝብቲ ይገብሩ ኣለዉ፡፡
ራብዓይ ትውልዲ (4ጂ) ኔትወርክ፣ ዲጂታል ፋይናንሲንግ ሓዊሱ ካልኦት ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ኣብቲ ክልል ተበፃሒ ንኽኾኑ እቲ ኮሚቴ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ሰሜን ሪጅን ኢትዮ-ቴሌኮም ማሕበረሰብ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ቴሌኮም ንምግባር ዝገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
በዚ ድማ ኣገልግሎት ተቋሪፁዎም ዝነበሩ 498 ሳይታት ናብ ኣገልግሎት ከምዝተመለሱ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ኣብቲ ሪጅን ልዕሊ 320 ሺሕ ሓደሽቲ ሲም ካርድ ተጠቀምቲ፣ ምዝገባ 32 ሺሕ ቴሌብርን ልዕሊ 57 ሺሕ ብሄራዊ መታወቂያ (መለለዪ መንነት)ን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ተገሊፁ።
ኣብቲ ክልል ካብ ዝርከባ 93 ወረዳታት ኣብ 27 ወረዳታት ኣገልግሎት ራብዓይ ትውልዲ (4ጂ) ኔትወርክ ተበፃሒ ከምዝኾነተገሊፁ።
እቲ ኮሚቴ፣ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብቲ ክልል ተቋሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ቴሌኮም ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዝተገበረ ፃዕሪ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ምግላፁ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።