ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 7 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን 364 ሜትሪክ ቶን መድሓኒትን ከምዝተኸፋፈለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 7 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን 364 ሜትሪክ ቶን መድሓኒትን ከምዝተኸፋፈለ ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ዝተፈላለዩ ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዛት ተጠናኺሮም ከምዝቐፀሉ ኣብሪሁ፡፡

ብመሰረት እዚ ክሳብ 12 ሕዳር 2015 ዓ.ም ብ198 ተሸከርከርቲ 6 ሺሕን 93 ሜትሪክ ቶን ምግቢን ሃነፅቲ ምግቢታን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ከምዝተከፋፈለ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 364 ሜትሪክ ቶን መድሓኒት ኣብቲ ክልል ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋትት ከምዝተኸፋፈለ ተገሊፁ፡፡

ብተመሳሳሊ 105 ሺሕን 159 ሊትሮ ነዳዲን 1 ሺሕ 74 ነጥቢ 6 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲ ከምዝተኸፋፈሉ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ዘይተገደበ ዝርገሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ብመንግስቲን መሓዙት ኣካላትን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተሓቢሩ፡፡

ዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment