ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 45 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሰብኣዊ ሓገዛትን ከምዝተኸፋፈለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 45 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሰብኣዊ ሓገዛትን ከምኡ እውን 839 ሜትሪክ ቶን መድሓኒት ከምዝተኸፋፈለ ኮሚሽን ኣመራርሃ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ኣብቲ ክልል ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ዝግበር ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ቀፂሉ፡፡

ብመሰረት እዚ ክሳብ 20 ሕዳር 2015 ዓ.ም ኣብቲ ክልል ብ1 ሺሕን 17 ተሸከርከርቲ 40 ሺሕን 63 ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ሓገዝ ምግቢን ሃነፅቲ ምግቢን ከምዝተኸፋፈለ ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብ25 ተሸከርከርቲ 839 ነጥቢ 76 ሜትሪክ ቶን መድሓኒትን ብ115 ተሸከርከርቲ ልዕሊ 4 ሺሕን 254 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ኣቑሑት ንተጎዳእቲ ከምዝተኸፋፈለ ኣብሪሆም፡፡

413 ሺሕን 552 ቲትሮ ነዳዲ ዝፀዓና ተሸከርከርቲ ናብ ትግራይ ከምዝተለኣኻ እውን እቶም ዳይሬክተር ተዛሪቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment