ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ተወሺቦም

ኣዲስ ኣበባ 14 ሚያዝያ 2012 ዓም (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ካልኦት ከባቢታት ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተው ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰባት ናብ ዝተዳለው ፈሊኻ መፅንሒ (መወሸቢ) ክኣትው ከምዝተገበረ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ትግራይ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ካብ ካልኦት ከባቢታት ናብቲ ክልል ዝኣትዉ ሰባት ን14 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መንግስቲ አብ ዘዳለዎ ማእኸል ፈሊኻ መፅንሒ ግቡእ ምፅናሕ ከምዘለዎ አብ ዘውፀኦ ህፁፅ ኣዋጅ ምድንጋጉ ይፍለጥ።

ነዚ ከተኣናግዳ ዝኽእላ 15 ማእኸላት ተፈልየን ከምዝተዳለዋ እውን ኣተሓባባሪ ሃንደበታዊ ሕክምና እቲ ቢሮ ዶክተር ኣቤነዘር እፀድንግል ተዛሪቦም።

ክሳብ ትማሊ ዕለት ኣብ ዘሎ ኣሃዛዊ መረዳእታ፥ ኣብተን ማእኸላት ፈሊኻ መፅንሒ ልዕሊ 2 ሺሕ ወገናት ክትትል እናተገበረሎም ምዃኑን እቶም ዜጋታት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከቡን ኣብሪሆም።

እተን ማእኸላት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክዳለዋ ኣመራርሓታትን ሕብረተሰብን ልዑል ተሳተፎ ከምዝነበሮም ዝገለፁ እቶም ኣተሓባባሪ፥ ኣብተን ማእኸላት ዘሎ ሕፅረት ቀረብን ሰብ ሞያን ንምፍታሕ ይስራሕ ምህላዉን ገሊፆም።

ናብ ማእኸላት መወሸቢ ይኣትው ዘለዉ ዜጋታት፥ ስብ ሞያታት ጥዕና ዝህብዎ ማዕዳን ኮማንድ ፖስት ዝህቦ መምርሒን ከተግቡሩ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ካብዚ ወፃኢ ንዝህሉ ተግባር ግን ሕጊ ናይ ምኸባር ስራሕ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ብሙሉጌታ ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment