ኣብ ክልል ትግራይ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ እናተውሃበ ምዃኑ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኢንጂነር አስቴር ይትባረክ፥ እቲ ሃገራዊ ፈተና ብዘይ ምንም ፀገም ፀፅታ ኣብ ዝተፈላለዩ መፈተኒ ጣቢያታት እናተውሃበ ምዃኑ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ገሊፀን።

ኣብቲ ክልል ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ፈተና ክወስዱ ዘይከኣሉ ተምሃሮ ካልኣይ ዕድል ከምዝወሃብ እውን እቶም ምክትል ሓላፊ ኣገንዚበን።

ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ዝጀመረ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ክሳብ ዝቕፅል ሓሙስ ክቕፅል ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment