ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዝፈሪ ፍርያት ወርቂ ሕጊ ተኸቲሉ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ንኸኣቱ ብዕቱብ ምስራሕ ይግባእ – ኣይተ ኣሻድሊ ሃሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዝፈሪ ፍርያት ወርቂ ሕጊ ተኸቲሉ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ንኸኣቱ ብዕቱብ ምስራሕ ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሃሰን ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ዘይሕጋዊ ዕድጊት ወርቂ ንምቁፅፃር ኣብቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ኣፍረይቲን ኣዘዋወርቲን ወርቂ ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ዋና ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት መበል 22 ሌተናል ጀኔራል ሰይፈ ኣንጌን ሓዊሱ በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓታት ተረኺቦም።

ኣይተ ኣሻድሊ ሃሰን፥ ኣብቲ ክልል እናፈረየ ዝርከብ ወርቂ እናወሰኸ ይኹን እምበር እቲ ፍርያት ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ብሄራዊ ባንኪ እናኣተወ ከምዘይኮነ ኣብሪሆም።

ወርቂ ካብ ዋጋ ብሄራዊ ባንኪ ንላዕሊ ዝገዝኡ ዘይሕጋውያን ኣካላት ከምዝበዝሑ ዝሓበሩ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ኢኮኖሚ ሃገር ንምጉዳእ ዓሊሞም ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክልል ዝፈሪ ፍርያት ወርቂ ሕጊ ተኸቲሉ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ንኸኣቱ ብዕቱብ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

“ነቲ ፀገም መፍትሒ ንመሃብ ሓበራዊ መፍትሒ ምሃብ ይግባእ፤ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ዕድጊት ወርቂ ኣብ ልዕሊ ዝፍፅሙ ኣካላት ዘየዳግም ስጉምቲ ንምውሳድ ብቆራፅነት ክሰርሕ ኢዩ” ምባሎም ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment