ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳልን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ዝተጀመረ ስራሕ ንምቕፃል ዝዓለመ ኮንፈረንስ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳልን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ዝተጀመረ ስራሕ ንምቕፃል ዝዓለመ ኮንፈረንስ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ብሚኒስቴር መዓርግ ሓላፊ ህንፀት ዘፈር ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ተስፋየ በልጅጌ፣ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ዘፈር ፓርቲታት ፖለቲካን ሲቪክ ማሕበራትን ዶክተር ኣለሙ ስሜን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰንን ተረኺቦም፡፡

ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ብፍላይ ኣብ ዞባ መተከል ልዕልነት ሕጊ ብምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ዝተጀመረ ተግባር ንምስላጥ ዓቕሚ ኣመራርሓ ንምህናፅ ተሓሲቡ ዝተዳለወ መድረኽ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ዝፀንሕ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ክልል፣ ዞባ፣ ምምሕዳር ከተማን ወረዳታትን ክሳተፉ ከምዝተገበረ ካብ ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment