ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻጉል ጉሙዝ ልዕሊ 83 ሺሕ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ታረቀኝ ታሲሳ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብምኽንያት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ፀገማት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ልዕሊ 442 ዜጋታት ይርከቡ፡፡
እቶም ዜጋታ መንግስቲ ምስ ዝተፈላለዩ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዘዛት ንምብፃሕ ፃዕሪ እናገበረ ምዃኑ ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣብቲ ክልለል ፀገም ፀፅታ ዝነበሮም ከባቢታት ናብ ዘላቒ ሰላም ንምምላስ እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ብምሕባር፥ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ድማ ሓደሓደ ከባቢታት ናብ ንቡር ሰላማዊ ኩነታት ከምዝተመለሱ ገሊፆም፡፡
ጎድና ጎድኒ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ንምምላስን መሊስካ ንምጥያሽን ስራሕቲ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ብምሕባር፥ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 83 ሺሕ ዜጋታት ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱ ኣብሪሆም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com