ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ካብ መሸጣ መፅሓፍ ’የመደመር ትውልድ’ ዝህነፅ ሙዚየም ስራሕ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ስራሕ ዝኾነ መፅሓፍ ’የመደመር ትውልድ’ ብምሻጥ ዝህነፅ “ሙዚዬም ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ” ስራሕቲ ህንፀት ከምዝተጀመረ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡

ህንፀቱ ኣብ 18 ኣዋርሕ ክዛዘም ገደብ መዓልቲ ከምዝተቐመጠሉን ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕቲ ኳዕቲ መሰረት ከምዝተጀመረነ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ፕሮቶኮልን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ኣድማሱ ተክሌ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ከተማ ኣሶሳ ንዝህነፅ ሙዚየም 247 ሚሊየን 274 ሺሕን 688 ብር ወፃኢ ከምዝግበረሉ እውን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

እቲ ሙዚየም÷ በዓል ክልተ ደብሪ ኮይኑ ከምዝህነፅ ብምሕባር ካልኦት ባህላዊ ጎጆታትን ካፌን ርእሶም ክኢሎም ከምዝህነፁ ኣመልኪቶም፡፡

ሓፈሻዊ ስፍሓት እቲ ቀፅሪ 6 ሺሕን 145 ካሬ እንትኸውን÷ ካብ ሞንጎ እዚ እቲ ህንፃን ጎጆታትን ኣብ 1 ሺሕን 110 ነጥቢ 8 ካሬ ሜትሮ ከምዝዓርፉ አብሪሆም፡፡

ዝተረፈ ክፍሊ እቲ ቀፅ መዘናግዒን ሓምለዋይ ቦታን ከምዝኸውን ሓቢሮም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment