ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ሰላምን ፀጥታን ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ሰላምን ፀጥታን ዘድሃበ ዘተ ተሳሊጡ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል፣ ኹለን ዞባታት፤ ምምሕዳር ከተማን ላዕለዎት ሓለፍቲ ፀጥታ ክልልን ፌደራልን ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ ተሳሊጡ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ መላእ እቲ ክልል÷ ኣብ ሰለስቲኤን ዞባታት፣ ኣብ ፉሉይ ወርዳታት ማኦን ኮሞን፣ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣሶሳ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሰላምን ፀጥታትን ከምዝዝተየሎም ካብ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ ስራሕቲ ሰላምን ፀጥታን እቲ ክልል ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእሉ ቀፀልቲ ኣንፈታት ክቕመጡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት እውን ኣሎ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment