ኣብ ክልል ቤኒሻንጉልጉሙዝ ወረዳ ድባጢ ተመዛቢሎም ዝነበሩ 213 ክፋላት ሕብረተሰብ ናብ መረበቶም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉልጉሙዝ ወረዳ ድባጢ ሓይሊታት ጥፍኣት ብመሰረት ዘበፅሕዎ መጥቃዕቲ ተመዛቢሎም ዝነበሩ 213 ክፋላት ሕብረተሰብ ናብ መረበቶም ተመሊሶም።

እቶም ተመዛበልቲ ካብ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ጊዚያዊ ማእኸል ጋሌሳ ከምዝፀንሑ ተገሊፁ።

እቶም ሓይሊታት ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ቅትለት ብምፍፃም፣ ኣፅዋር ብምምንዛዕን ብምፍርራሕን ነቲ ሕብረተሰብ ራዕዲ ክፈጥርሉ ከምዝፀንሑ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣካላት ፀፅታ ክልልን ፌዴራልን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምንቅስቓስ ሰላም ንምድምሳስ ይሰርሑ ኣለዉ ተባሂሉ።

ምስዚ ጎድኒ ንጎድኒ ድማ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልል ኣብቲ ከባቢ ብምርካብ ምስ ሕብረተሰብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዘተ ገይሮም ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ካብ ክልተ ጣቢያታት ዝተመዛበሉ 213 ክፋላት ሕብረተሰብ ትማሊ ናብ መረበቶም ተመሊሶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment