ኣብ ክልል ሶማሌ ዘጋጠመ ድርቂ ንምፅዋር ዘላቒ ኳዕቲ ጉድጓ ማይ ምስቲ ክልል ብምውዳብ ክስራሕ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ዘጋጠመ ድርቂ ንምፅዋር ዘላቒ ኳዕቲ ጉድጓ ማይ ምስቲ ክልል ብምውዳብ ከምዝስራሕ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ኣብ ክልል ሶማሌ ብምኽንያት ዘጋጠመ ድርቂ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ቀረብ ማይ ምክፍፋል ከምዘድሊ ኣብሪሀን፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ከባቢ ብዝገብረኦ ዑደት እውን ኣብ ቀብሪ በያ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ዘጋጠመን ሕፅረት ቀረብ ማይ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ከምዝገለፃለን ኣዘኻኺረን፡፡

ነዚ ሕቶአን ዝኀውን ምላሽ እውን ቤት ፅሕፈተን ኣብቲ ከባቢ ብድርቂ ምኽንያት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ንሓደ ወርሒ ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ቦጥ ማይ ሓገዝ ምክፍፋል ከምዝተጀመረ ገሊፀን፡፡

እቲ ፀገም ብቕልጡፍ ንምቁፅፃር ድማ ዘላቒ ኳዕቲ ጉድጓድ ማይ ንምክያድ ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ብምውዳድ ከምዝስራሕ ኢየን እተን ፕሬዚዳንት ገሊፀን ዘለዋ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Twitter (https://twitter.com/fanatelevision)

FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision) | Twitter

The latest Tweets from FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision). Radio Fana

Comments (0)
Add Comment