ኣብ ክልል ሲዳማ ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ‘ኢፋ ቦሩ’ ተመሪቑ

ኣብ ክልል ሲዳማ ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ‘ኢፋ ቦሩ’ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብደገፍ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ለኩ ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ‘ኢፋ ቦሩ’ ተመሪቑ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርቓት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞን ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ክልቲኤን ክልላት ተረኺቦም፡፡

ብ149 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ እቲ ቤት ትምህርቲ÷ 18 መምሀሪ ክፍልታት፣ ቤተ መፃሕፍቲ፣ ቤተ ፈተነን ካልኦት ግልጋሎት ዝህቡን ዝሓዘ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ካብ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዝነኣሰ እዋን ተሃኒፁ ዝተዛዘመ እቲ ቤት ትምህርቲ÷ ነዊሕ መገዲ ተጓዒዞም ዝመሃሩ ዝነበሩ ተመሃሮ ኣብ ከባቢኦም ንክመሃሩ ዘኽእል እዩ ተባሂሉ፡፡

ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ኦሮሚያን ሲዳማን ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ዝግበር ፃዕሪ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment