ኣብ ክልል ሲዳማ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬትን ምምላእ ማይን ቁፅሪ መወትቲ 11 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሲዳማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬትን ምምላእ ማይን ቁፅሪ መወትቲ 11 ከምዝበፅሐ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብ ወረዳ ወንሾ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ቁፅሪ መወትቲ ትሽዓተ ከምዝበፅሕ ሽዱሽተ ሰባት ድማ ጉድኣት ኣካል በፂሑዎም ኣብ ሆስፒታል ይርጋለም ሕክምና እናረኸቡ ከምዝኾኑ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣበራ ዊላ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ወረዳ ቡራ ብሃንደበታዊ ምልኢት ማይ ህይወት ክልተ ህፃናት ከምዝሓለፈ ንፋና ብርድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣረጋጊፆም፡፡

ሕብረተሰብ ኩነታት ክረምቲ ብምርዳእ ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብር እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብብርሃኑ በጋሻው

Comments (0)
Add Comment