ኣብ ክልል ሲዳማ ብሓደጋ ጋህሲ መሬት 6 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

 ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሲዳማ ዞማ ማእከላዊ ሲዳማ ልዑል ዝናብ ብዘስዓቦ ሓደጋ ጋህሲ መሬት 6 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ኣብቲ ዞባ ግሽሬ ጉዱ ሞና ሆሞ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ትማሊ ብዝዘነበ ዝናብ ምኽኒያት ብዘስዓቦ ጋህሲ መሬት ሀይወቶም ካብ መንጎ ዝሰኣኑ ሰባት ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ሰባት ጉድኣት ኣካል ከምዘጋጠመ ተገሊፁ።

እቲ ጉድኣት ዘጋጠሞም ወገናት ሓገዝ ሕክምና ይረኽቡ ከምዘለዉ ዝገለፀ መንግስቲ እቲ ክልል፥ ተወሳኺ ደገፍ ንምሃብ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕን ስግኣት ሓደጋን ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ናብቲ ከባቢ ምምርሖም ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment