ኣብ ክልል ሲዳማ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ዘኽእል ኣወዳድባ እናተዘርገሐ ምዃኑ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ሲዳማ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ዘኽእል ኣወዳድባ እናተዘርገሐ ምዃኑ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ምስ ግዜኢ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበሉዎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝግበር ውዳበ ኣብቲ ክልል ስራሕቲ ምውዳብ ሓደሽቲ ዞባታትን መሊስካ ምጥንኻር ነባር ወረዳታትን ኢዩ።

ምስ እዚ ጎድና ጎድኒ ድማ እቲ ክልል ዝምረሐሉ ስትራቴጂን ዓመታዊ ትልሚን እናተዳለወ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣወዳድባ እቲ ክልል ወድዓዊ ኩነታት ሕብረተሰብ ዘገናዘበን ንኹሎም ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብሩ ስራሕቲ ልምዓታት ንምስላጥ ብዘኽእል መልክዑ ዝዝርጋሕ ምዃኑን ኣፍሊጦም።

ሓዱሽ ውዳበ ንምዝርጋሕ መፅናዕቲ ከምዝተኻየደ ዝገለፁ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ብመሰረት እቲ ዝተገበረ መፅናዕቲ ክልለ ሲዳማ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ከምዝውደብ ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment