ኣብ ክልል ሮሚያ ብግዕዝይና ኣብ ዝተጠርጠሩ 1 ሺሕን 322 ውልቀ ሰባት ውሳነ ጥፍኣተኛ ተመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሮሚያ ብግዕዝይና ካብ ዝተጠርጠሩ 4 ሺሕን 80 ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 322 ውልቀ ሰባት ውሳነ ጥፍኣተኛ ከምዝተመሓላለፈ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ግዕዝይና ንምክልኻል ዝተጣየሸ ኮሚቴ ፀረ-ግዕዝይና ንጥፈታት ስርሑ ኣመልኪቱ ሎሚ መግለፂ ሂቡ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ መግለፂኡ÷ ካብ ህዝቢ ዝቐረቡ 1 ሺሕን 495 ሓበሬታታት ብምምርማርን 642 መዝገባት ክሲ ብምውዳድ 1 ሺሕን 322 ውልቀሰባት ጥፍኣተኛታት ዝብል ውሳነ ክመሓላለፍ ከምዝተገበረ ኣልዒሉ፡፡

በቲ ውሳነ ድማ እቶም ውልቀ ሰባት ካብ 1 ዓመት ክሳብ 20 ዓመት ዝበፅሕ ማእሰርቲ ክቕፅዑ ከምዝተገበረ ተገሊፁ፡፡

ብመራኦል ከድር

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment