ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል መረፃ ቻግኒ ዝርከቡ ጣቢያታት መረፃ ክረምቲ ስዒቡ ብዝናብ ምትእጉጓል ከይፍጠር ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ።
መረፅቲ ድምፂ ንመሃብ ናብ ጣቢያታት መረፃ ከይዶም ብዝናብ ምኽንያት ፀገም ከይገጥሞም፣ ክርፉሎም ዝኽእሉ ካምቦታትን ካልኦት ኣቑሑትን ናይ ምድላው ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ኣብቶም ጣቢያታት መረፃ ተረኺብና ተዓዚብና።
ካብዚ ሓሊፉ ድማ መረፃ ሰላማዊ ኮይኑ ብዘይዝኾነ ይኹ ስግኣት ፀፅታ ንኽዛዘም ኣላካት ፀፅታ ድልዋት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
ናውቲ መረፃ ነናብ ጣቢያታት መረፃ ብሰላም ንኸኣትዉ ካብ ምዕጃብ ጀሚሮም ኣብ መዓልቲ መሃብ ድምፂ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ከይህሉ ኩሎም ኣካላት ፀፅታ ምስ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ንምስራሕ ምድላዎም ምዝዛሞም ተዓዚብና።
ሎሚ መዓቲ ተዘዋዊርና ዝተዓዘብናዮም ጣቢያታት መረፃ መብራህቲን ካልአት ንመረፃ ዝሕግዙ ናውቲን ድሉዋት ዝገበሩ ኢዮም።
ብይስማው ኣደራው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።