ኣብ ክልል ሃረር ንህወሓትን ሸኔን ዝኹንን ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሃረር ንጥምረት ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ዝኹንንን ሉኣላዊነት ሃገር ንምሕላው መስዋእቲ እናኸፈለ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻልን ዝድግፍን ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ከተማታትን ወረዳታት ገፀርን እቲ ክልል ዝተውፃእፅኡ ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተሳቲፎም።

ኣብቲ ሰልፊ ሓድነት ሃገር ንምዕናውን ሃገር ንምፍራስን ዘይተቐደሰ መርዓ ዝፈፀሙ ህወሓትን ሸኔን ዝኹንኑ ዝተፈላለዩ መልእኽቲታት ተመሓላሊፎም።

ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ፀላእቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢዮም፣ ሓይሊታት ትጀህነግ ኣብ ልዕሊ ክብሪን ሉኣላዊነትን ኢትዮጵያ እናፈፀሙዎ ዝርከቡ ተግባር ንኹንን፣ ሉኣላዊነት ሃገርና ንብ ድርድር ኣቕሪብና ከምዘይንፈልጥ ታሪኽና ምስክር ኢዩ፣ ህወሓትን ሸኔን መንቀርሳ ኢትዮጵያ ኢዮም፣ ክብሪን ሉኣላዊነትን ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ዝህብ ትውልዲ የለን፣ ምዕራባውያን ሓሊታት ሃገርና ብኢደዙር ከንበርክኹ ኣይኽእሉን ዝብሉ ጭርሖታት ኣስሚዖም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ወይዘሮ ሚስራ ኣብደላ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሃገር ንምፍራስ ዝጀመሮ ፃዕሪ ንምምካት ህዝቢ እናርአዮ ዝርከብ ተበግሶን ሓገዝን እቲ ወፍሪ ህልውና ኣብ ሓፂር እዋን ንምዝዛም ከምዘኽእል ተዛሪበን።

ብተሾመ ኃይሉ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment