ኣብ ክልላት ዓፋርን ኦሮሚያን ኣብ ተፋሰስ ኣዋሽ ዝርከቡ ከባቢታት ሓደጋ ውሕጅ ኣጋጢሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልላት ዓፋርን ኦሮሚያን ኣብ ተፋሰስ ኣዋሽ ዝርከቡ ከባቢታት ሓደጋ ውሕጅ ከምዘጋጠመ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ተፋሰስ ኣዋሽ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልላት ዓፋርን ኦሮሚያን ኣብ ቀረባ እዋናት ብዘጋጠሙ ሓደጋ ውሕጅ ብዙሓት ዜጋታት ካብ መረበቶም ምፍንቓሎም ይዝከር።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ደቡብ ምዕራብ ሽዋ ወረዳ ዳዋ ኢሉ፣ ዞባ ምዕራብ ሽዋ ክፋል ወረዳ ኤጄሬ፣ ዞባ ምብራቕ ሽዋ ሊበን ቦራ፣ ኣዳማ፣ ክፋል ወረዳታት ፈንታሌን ከተማ መተሃራን እቲ ሓደጋ ውሕጅ ዘጋጠመለን ከባቢታት ኢየን።

ኣብ ክልል ዓፋር ድማ ኣብ ወረዳታት ኣሚባራ፣ ኣሳይታ፣ ዱፍቲ፣ ገለኣሉ፣ ገዋኔ፣ ኣፋምቦ ሓደጋ ውሕጅ ከምዘጋጠመ ሓላፊ ቤት ፅፈት ልምዓት ተፋሰስ ኣዋሽ ኣይተ ኣበጀ መንገሻ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም።

ኣብቲ ከባቢ ሓደጋ ውሕጅ ቅድሚ ምፍጣሩ ንምክልኻል ኣብ ሓጋይ ኣዋርሕ ዓቕሚ ምስካም ማይ እቲ ሩባ ናይ ምስፋሕ ስራሕቲን ህንፀት መከላኸሊ ውሕጅን ከምዝተሰርሑ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ እዋን ክራማት ብሓይሊ ሰብ እውን ናይ ምክልኻል ስራሕቲ እናተሰርሐ ይፅናሕ እምበር ክብደት መጠን ዝናብ እናሐየለ ብምምፅኡ ምምላእ ማይ ግድባት ካብ ዓቕሚ ነዓቐብ ምዃኑ ስዒቡ ኣብቲ ተፋሰስ ዝርቡ ከባቢታት ሓደጋ ውሕጅ እናጋተመ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ሎሚ መዓልቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ንዝተመዛበሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ሓገዝ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ክብደት መጠን ዝናብ ክረምቲ ሕዚ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሐበሬታታት ሜቴዎሮሎጂ ከምዘመላኽቱ ዝገለፁ ኣይተ ኣበጀ፥ ኣብ ሩባ ኣዋሽን መገብቲ ሩባታትትን ኣብ ተፋሰስ ሩባ ኣዋሽ ዝርከቡ ዜጋታት ካብቲ ከባቢ ምውፃእ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment