ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ጉድኣት ዝበፅሖም ትካላት ኣገልግሎት ንምጅማር ዘኽእል መፅናዕቲ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ጉድኣት ዝበፅሖም ትካላት ኣገልግሎት ንምጅማር ዘኽእል መፅናዕቲ ዳህሳስ ኣብዚ ሰሙን ክጅመር ኢዩ።

ብሄራዊ ኮሚቴ ሚኒስቴራት ማእኸል ምትሕብባር ህፁፅ ጊዜ ሰሙናዊ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ።

ዝተጀመሩ ተግባራት ንምቕፃልብጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ማይን ኢነርጂን፣ ግብርና፣ ትራንስፖርት፣ ኮንስትራክሽንን ካልኦት ዓውዲታትን ኣብቶም ክልላት ዝበፅሐ መጠን ጉድኣት በምልላይ እተን ትካላት ኣገልግሎተን ንምጅማር ጉጅለ ሰብ ሞያታት መፅናዕቲ ንምክያድ ኣብዚ ሰሙን ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።

ተወሳኺ ጉድኣት ናይ ዝበፅሖም ወገናት ናይ ስነ ልቦና ቀውሲ ንምውጋድ ዝሕግዝ ጉጅለ ሰብ ሞያ ስነ ልቦና ከምኡውን ተንቀሳቓሲ ጉጅለ ሕክምና ተጠናኺሩ ንክቕፅል ዘኽአል ኣንፈት እውን ምውሃቡ ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment