ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋር ስራሕቲ ዳግመ ምጥያሽ ብምጥንኻር ዝሐሸት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ይስራሕ ኣሎ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲን ፓርቲ ብልፅግናን ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋር ስራሕቲ ዳግመ ምጥያሽ ብምጥንኻር ዝሐሸት ህብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ብቖራፅነት እናተሰርሐ ምዃኑ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ መቐለ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ንዝተገበረ ኢትዮጵያዊ ስምዒት ዝተረኣየሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያን ንምኽባር ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ንዘበናት ከምዝተቓለሰ ብምግላፅ÷ ኢትዮጵያውያን መፃኢ ዕድሎም ኣዚዩ ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ረብሓን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ብዝተማለአ መልክዑ ክዕወት ዝኽእል ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ሕውነቱ ኣጥቢቑ ብሓባር ምስራሕ እንትኽእል ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ከንቲባታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ዝገበሩዎ ዑደት እውን ሰላም ብምፅናዕ ሓድነት ብተግባር ንምግላፅ ዝተገበረ ጉዕዞ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ዑደት እቲ ጉጅለ ልኡኽ÷ “ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተጎድኡ ከባቢታት ብሓር ንምህናፅ ዘለዎ ድልዉነት ዝገልፅ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃን ዝረከቡ ኢትዮጵያውያንን መሓዙት ኣካላትን ሓገዝ ንኽገብሩ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብግደኦም÷ እቲ ልኡኽ ኣብ ትግራይ ብምርካብ በቲ ኲናት ዝበፅሐ ጉድኣት ብምዕዛብ ምሕዝነቱ ብምርግጋፁ ኣመስጊኖም።

እቲ ዝተገበረ ዑደት÷ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብቲ ክልል ንዝሰርሖም ስራሕቲ ዓብዪ ስጉሚ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንምቅልጣፍን ሰላም ኣጠናኺርካ ንምኻድን ብሓባር ምርብራብ ከምዝግባእ ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment