ኣብ ክልላት ሶማሌን ሮሚያን ዘጋጠመ ድርቂ ንምክልኻል ዝተዋደደ ፃዕሪ የድሊ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ሶማሌን ሮሚያን ዘጋጠመ ድርቂ ዝኸፍአ ጉድኣት እንተየብፀሐ ንምክልኻል ዝተዋደደ ፃዕሪ ከምዘድሊ ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ዝናብ ዘይምዝናቡ ስዒቡ ብዙሓት ዜጋታት ንልዑል ድርቂ ተቓሊዖም ኢዮም፡፡

ኣብ ክልል ሶማሌ ብዘጋጠመ ድርቂ ኣብዚ ሕዚ እዋን 9 ዞባታት ንሓደጋ ድርቂ ከምዝተቓልዑ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፥ ብምኽንያት እዚ ድማ ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታት ሓገዝ ከምዝደልዩ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ዜጋታት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ክሳብ መስከረም 620 ሺሕ ኩንታል እኽሊ ከምኡ እውን ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ 524 ሺሕን 780 ኩንታል እኽሊ ብፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣቢሉ ከምዝተኸፋፈለ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብተመሳሳሊ ድርቂ ዘጋጠመሎም ዞባታት ቦረናን ጉጂን ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ኣድላዪ ሓገዝ እኽሊ ንምብፃሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዞባ ቦረና ንዝርከቡ ልዕሊ 166 ሺሕ ዜጋታት ብብርኪ መንግስቲ ኣብ ቀዳማይ ዙር 14 ሺሕን 760 ኩንታል፣ ኣብ 2ይ ዙር ድማ 9 ሺሕን 351 ኩንታል ከምኡ እውን ተወሳኺ 17 ሺሕን 281 እኽሊ ከምዝተለኣኸ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዞባ ጉጂ ንዝርከቡ 46 ሺሕን 790 በቲ ድርቂ ዝተጎድኡ ዜጋታት እውን 7 ሺሕን 526 ኩንታል እኽሊ ናብቲ ቦታ ተላኢኹ ኢዩ ኢሎም፡፡

የተከሰተው ድርቅ የከፋ ችግር ሳያደርስ ለመከላከል የተቀናጀ ጥረት ይጠይቃል ያሉት ዳይሬክተሩ፥ ለዚህም ባለድርሻ አካላት የበኩላቸውን ሃላፊነት እንዲወጡ አሳስበዋል

እቲ ዘጋጠመ ድርቂ ዝኸፍአ ጉድኣት እንተየብፀሐ ንምክልኻል ዝተዋደደ ፃዕሪ የድሊ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፥ እዚ ንምዕዋት ድማ መዳርግቲ ኣካላት ናይ ባዕሎም ሓላፍነት ንኽዋፅ ፀዊዖም።

ብመላኩ ገደፍ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment