ኣብ ክልለ ሲዳማ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ክልለ ሲዳማ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝተሃነፀ ካልኣይ በርኪ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ዝተረኸብሉ ኢዩ ተመሪቑ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ሽይጣት መፅሓፍ ቀዳማይ ሚኒስትር ብዝተረኸበ ኣታዊ ዝተሃነፀ እንትኸውን፥ ንህንፀቱ 11 ሚሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ።

12 መምሀሪ ክፍሊ፣ ክልተ ቤተ ፈተነን ሓደ ቤተ መፃሕፍቲን ዘካተተ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ካልኣይ ዙር ካብ ዘህነፆም ካዕልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ ሳልሳይ እንትኸውን፥ ብድምሩ 23 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣመሪቑ ኢዩ።

ብሃይማኖት ኢያሱን ታሪኩ ለገሰን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment