ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ቀረባ እዋን ተመዛቢሎም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ 69 ሺሕ ሰባት ሰባት ፍርቆም ናብ መረበቶም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ቀረባ እዋን ተመዛቢሎም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ 69 ሺሕ ሰባት እቶም 34 ሺሕ ሰባት ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ውሕስና ምግቢን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ቅድመ መጠንቀቕታን ምላሽን እቲ ኮሚሽን ማሒ ዓሊ÷ ብምኽንያት ሰብ ስራሕ ካብ ከባቢታት መራሕሌ፣ ኣብዓላ፣ መጋሌ፣ ያሎን ጉሊና ዝተመዛበሉ ሰባት፤ ኣብ መዕቆቢ ጣቢያታት ጎራዒ፣ ሙሊ፣ ራይራ፣ ሱዋን፣ ዶርታን ዲርማን ከምዝነበሩ ኣብሪሆም፡፡

ነቶም ተመዛበልቲ ዓለም ለኸ ትካላት ተራድኦ፣ ትካላት መንግስቲ፣ ካልኦት ውዳበታትን ክፋላት ሕብረተሰብን ብምውዳድ ህፁፅ ሓገዝ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment