ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘድሃበ ሰለስቲኣዊ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘድሃበ ሰለስቲኣዊ ዘተ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ዘተ፥ ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።

እቲ ቴክኒካዊ ኣኼባ፥ ኣብ ዙርያ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ እቲ ግድብ ብምድሃብ ዝሳለጥ ምዃኑ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሰለስተኣዊ ዘተ ግድብ ህዳሰ፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካይሮ፣ ካርቱም ከምኡ እውን ኣብ ዋሸንግተን ምስላጡ ይዝከር።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment