ኣብ ክሊ ምትሕብባር ኢኮኖሚን ልምዓትን ኢትዮ-ቻይና ዘድሃበ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክሊ ምትሕብባር ኢኮኖሚን ልምዓትን ኢትዮ-ቻይና ዘድሃበ ዘተ ተሳሊጡ።

ኣብ ማዕቐፍ ፎረም ምትሕብባር ቻይና ኣፍሪካ ንቻይና ኣብ ዝቐረቡ ነባርን ሓደሽቲን ፕሮጀክትታት እውን ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዘተ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተሾመ ቶጋ፥ ኢትዮጵያ ብዙሓት መሰረተ ልምዓታት ንምዝዛም ደገፍ ቻይና ልዑል ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ካብ እዋን ናብ እዋን እናማዕበለ ዝመፅአ ምትሕብባር ልምዓትን ኢኮኖሚን ክልቲአን ሃገራት ናይ ከልቲአን ሃገራት ርክብ ልዑል ከምዝኾነ መርኣዪ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘለዋ ምትእስሳር  ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ጥዕናን ዲጂታል ኢኮኖሚን ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ሓበራዊ ተረባሕነት ንምምዕባልን ክትሰርሕ ኢያ ምባሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment