ኣብ ኬንያ 200 ሰባት ብሰንኪ ሓደጋ ውሕጅ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኬንያ ዝዘነበ ሓያል ዝናብ ስዒቡ ብዘጋጠመ ውሕጅን ምህማም መሬትን ኣስታት 200 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ተሓቢሩ።

ብኣሻሓት ዝቑፀር ሄክታር ሕርሻ ዘራእቲ በቲ ውሕጅ ከምዝተወሰደ እውን መንግስቲ እታ ሃገር ዘውፅኦ መግለፂ ይሕብር።

እቲ ሓያል ዝናብ ንመፃኢ ሰሙናት ክቕፅል ይኽእል ኢዩ ዘብል ትፅቢት ዘሎ እንትከውን፥ ነዚ ስዒቡ ብፍላይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘፈልፍሉ ክልተ ግድባት ንሓደጋ ከይሳጥሑ ተሰጊኡ ኣሎ።

ስለዝኾነ ኣብ ትሕቲ እቶም ግድባት ዝርከቡ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክለዓሉን ናብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ክወፅኡን ተነጊርዎም ተባሂሉ።

እቲ ውሕጅ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝግበር ፃዕሪ ከተዓናቕፎ ከምዝኽእል መንግስቲ ኬንያ ስግኣቱ ገሊፁ።

ኣብ ኬንያ ዛጊድ 26 ሰባት ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይፍለጥ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment