ኣብ ኬንያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ህይወት ልዕሊ 174 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኬንያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ህይወት ልዕሊ 174 ሰባት ሓሊፉ።

ከም ፀብፃብ ስፑትኒክ እቲ ሓደጋ ውሕጅ ዘጋጠመ ብምኽንያት ፅዕንቶ ኤልኒኖ ብዝዘነበ ዘይተለመደ መጠን ዝናብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመዘገበ ሕልፈት ሰባት ኣብ ግዝኣት ማእኸላይ ኪያምቡ ከምዝኾነ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ፡፡

ምስቲ ዝናብ ተተሐሒዙ ምግህማስ መሬት ከምዘጋጠመ እውን ተገሊፁ፡፡

ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሚጎሪ እውን ኣብ ከባቢ መውፅኢ መዓድን ወርቂ ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ህይወት ሰባት ሰባት ከምዝሓለፈ ተመልኪቱ፡፡

ብዙሕ ገፀራማ ክፍል ኬንያ መንበሪ ኣባይቲ ብውሕጅ ከምዝተወሰዱ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment