ኣብ ኬኒያ እንትሳተፍ ዝነበረ ናይ ኣትሌቲክስ ጉጅለ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኬኒያ ናይሮቢ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ትሕቲ 20 ዓመት ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና እንትሳተፍ ዝነበረ ናይ ኣትሌቲክስ ጉጅለ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።

ብ12 ሜዳልያታት ራብዓይ ደረጃ ካብ ዓለም ብምሓዝ ዝዛዘመ እቲ ልኡኽ ሎሚ ንጎሆ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ በፂሑ።

ብምክትል ፕሬዚዳንት ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ወይዘሮ ኣበባ ዮሴፍ ዝተመርሐ ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ነቲ ጉጅለ ኣቀ2ባብላ ገይረሙሉ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ማሕበር ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ አትሌት መሰለች መልካሙ ብስም እቲ ማሕበር ነቲ ልኡኽ ሕቑፊ ዕንባባ ምሃበን ካብ ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment