ኣብ ካናዳ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝግበሩ ጣልቃ ኣታውነት ብሰለማዊ ሰልፊ ኣቢሎም ኣውጊዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ካናዳ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝግበሩ ጣልቃ ኣታውነት ብሰለማዊ ሰልፊ ኣቢሎም ኣውጊዞም።

24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ለዕሊ እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ስዒቡ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ሚዲያታትን ትካላትን እቲ ጉጅለ ጁንታ ብዘናፈሶ ፕሮፓጋንዳ ውሱናት ዓለም ለኻዊ ትካላትን መንግስታትን ነቲ ሓቂ ብዘየገናዘበ መገዲ ዝወስድዎ ዘለዉ ጣልቃ ኣታውነት ከምዝቃወሙ እቶም ሰልፈኛታት ገሊፆም።

ተበዳሊ በዳሊ ገይሩ ዝፍርጅ ቅዋም ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት ንምዕራፍ ዝኸፈትዎ ዘይግቡእ ፅዕንቶ ከምዝቃወሙ ድማ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ትማሊ ኣብ ከተማታት ኦተዋ፣ ሞንትሪያል፣ ቶሮንቶ፣ ክችነር፣ ሎንዶን ኦንታሪዮ፣ ኤድመንተን፣ ሊትብሪጅን ካልጋሪን ሰልፊ ተኻይዱ።

ንኤምባሲታት ቻይና፣ ሩስያን ህንድን ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘርኣይዎ ተኣማንነት አመስጊኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment