ኣብ ካናዳ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ኢድ ኣእታውነት ዝቃወም ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ አበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ኢድ ኣእታውነት ንምቅዋምብብርኪ ዓለም ዝተፀወዐ ወፍሪ ‘#NOMORE’ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ካናዳ ከተማ ኦታዋ ተኻይዱ።

ኣብቲ ሰልፊ ካብ ካናዳ ከተማታት ኦቶዋ፣ ቶሮንቶ፣ ሞንትሪያል፣ ኩቤክ፣ ስካርብሮ፣ ኪንግስተንን ካልኦትን ዝነበር ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኢትዮጵያን ዜጋታት ኤርትራን ተሳቲፎም፡፡

ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ፅንቶ ዝኹንኑ፤ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ልሊ ኢትዮጵያ እናሰርሑዎ ዝርከቡ ጎንፂ ዘበኣእስ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ጠጠው ንኸብሉ ፃውዒት ዘቕርቡ መልእኽቲታት ተመሓላሊፎም፡፡

ንፓርላማ ካናዳን ኣብኦቶዋ ንዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ፅንቶ ጠጠው ንኸብሉን ኢዶም ንኸልዕሉን ዘገንዝብ ደብዳበ ከምዝህቡ እውን ተገሊፁ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment