ኣብ ካማሺ ብፀረ ሰላም ሓይሊታት ተዓፊኖም ዝነበሩ 62 ሰባት ሓይሊታት ፀፅታ መንግስቲ ብዘካየዱዎ ኦፕሬሽን ናብ ማሕበረሰቦም ተፀምቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ካማሺ ከተማ ሄና ቀበሌ ሁሩንጉ ብፀረ ሰላም ሓይሊታት ተዓፊኖም ዝነበሩ 62 ሰባት ሓይሊታት ፀፅታ መንግስቲ ብዘካየዱዎ ዳህሳስን ኦፕሬሽንን ካብ ኢድ ፀላኢ ወፂም ናብ ማሕበረሰቦም ከምዝተፀምበሩ ኮሚሽን ፖሊስ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣፍሊጡ።

ስራሕቲ ኦፕሬሽን ዝመርሑ ኣብቲ ኮሚሽን ምክትል ኮሚሽነር ምስጋና እንጂፋታ ከምዝገለፁዎ፥ ንሃገርን ወገንን ዘይግድሾም ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ተለኣኣኽቶምን ንማሕበረሰብ ብምትላል፣ ብምግዳድን ብምዕፋንን ንዘይተገበአ ዕላማ እናሰለፎም ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ተዓፊኖም ዝነበሩ ክፋላት ማሕበረሰብ ሓይሊታት ፀፅታ መንግስቲ ካብ ኢድ ፀረ ሰላም ሓይሊታት ንምልቃቕ ንዝተገበረ ቃልሲ ብምምስጋን፥ ንፁሃን ካብ ፀላኢ ናይ ምፍላይ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም።

ብዝገበረ ዳህሳስን ኦፕሬሸንን 62 ሰባት ካብ ኢድ ፀላኢ ብምልቃቕ ናብ ማእኸል ንኸኣትዉ ከምዝተገበረ ብምሕባር፥ ኣብቲ ከባቢ ዝተረፉ ብግዲ ዝተዓፈኑ ሰባት ብሰላማዊ መገዲ ናብ መንግስቲ ንኽመፅኡ መንግስቲ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝግበረሎም ምሕባሩ ካብ ቢሮ ጉዳይ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment