ኣብ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ምገባ ተምሃሮ ንምጅማር ዘኽእል መፅናዕቲ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ምገባ ተምሃሮ ንምጅማር ዘኽእል መፅናዕቲ ይግበር ከምዘሎ ኤጀንሲ ምግብና ተምሃሮ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ አቶ ኢሳያስ ምህረት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ÷ ኣብ 2014 በጀት ዓመት ንምገባ መርሃ ግብር ተምሃሮ 1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር በጀት ተታሒዙ፡፡

እቲ በጀት በዝሒ ተምሃሮን ዋጋ ተሓሳቢ ብምግባር ዝተትሓዘ ኢዩ ኢሎም።

ቅድም ኢሉ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብተወሳኺ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ መርሃ ግብሪ ምገባ ተምሃሮ ንምጅማር ዘኽእል መፅናዕቲ ይግበር ኣሎ እውን ኢሎም።

ብተወሳኺ ንዲቪዛ ተባሂሉ ልዕሊ 800 ሚሊየን ብር በጀት ከምዝተትሓዘ እቶም ዳይሬክተር ተዛሪቦም።

ብሲሳይ ጌትነት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment