ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንኢራን 6 ን 2 ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንኢራን 6 ን 2 ብምስዓር ተዓዊታ።

ኣብ ካልኣይ መዓልቲ መበል 22 ፅዋዕ ዓለም ኣብ ምድብ ክልተ ዝርከባ ሃገራዊያን ጋንታታት እንግሊዝን ኢራንን ተራኺበን።

ኣብቲ ፀወታ÷ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ 6 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢት ንኢራን ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ።

ቤሊንግሃም ኣብ መበል 35 ደቒቕ፣ ቡካዮ ሳካ ኣብ መበል 43ን 62 ደቒቕ፣ ራሂም ሰትረሊንግ ኣብ መበል 46 ደቒቕ ተወሳኺ ሰዓት፣ ራሽፎርድ ኣብ መበል 71 ደቒቕ፣ ግሪሊሽ ኣብ መበል 89 ደቒቕ ናይ እንግሊዝ ሽቶታት እንተመዝግቡ÷ ክልቲአን ሽቶታት ኢራን ድማ መህዲ ታርሚ ኣብ መበል 65ን 102ን ደቒቕ ኣመዝጊቡወን።

ምሸት ሰዓት ሓደ ሃገራውያን ጋንታታት ሴኔጋል ምስ ኔዘርላንድ ካብ ምድብ ሓደ፤ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ኣሜሪካ ምስ ዌልስ ካብ ምድብ ክልተ ዝግረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሎም።

ዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment