ኣብ ኪስማዩ ሴክተር ሽዱሽተ ዝተዋፈረ 5ይ ሞተራይዝድ ዓቃቢ ሰላም ሻለቃ ተዋጋእቲ መሃንዲሳት ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኪስማዩ ሴክተር ሽዱሽተ ዝተዋፈረ 5ይ ሞተራይዝድ ዓቃቢ ሰላም ሻለቃ ተዋጋእቲ ሰልጠንቲ መሃንዲሳት ኣመሪቑ።

ኣብ ክልተ ምዕራፋት ተኸፊሉ ዝተውሃበ ስልጠና፥ ዝተቐባበሉ ፈንጂታት ምውጋድ፣ ኣብ እዋን ዓጀባ ኮንቦይ ፍተሸ መገዲ ምግባርን ዝተቐባበለ ፈንጂ ምውጋድ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘተኮረ ስልጠና ኢዩ ተባሂሉ፡፡

መራኸቢ ኬቨን ኪዘላ ኡንማንስ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ስልጠና ኣብ ዝተዋፈሩሉ ልኡኽቶን ዓቕሚን ረኺቦም ድሕንነት እቲ ሰራዊት ንኽሕሎ ሓገዛ ኢዩ፡፡

ዋና ኣዛዚ እቲ ሻለቃ ኮሎኔል ኣሰፋ ብግደኦም፥ ብመንፅር ወፍሪ እቲ ዞባ ዝተውሃበ ስልጠና ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ሻለቃ ኣብ ቀፃሊ ንዝዋፀኦ ወፍሪ ግደ እቶም ተመረቕቲ ዕዙዝ ኢዩ ምባሎም እውን ካብ ሰራዊት ምክልኻለው ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሓላፊ መሃንዲስ እቲ ሻለቃ ሻምበል እንግዳወርቅ ጌታነህ፥ ዝተውሃበ ስልጠና ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ማእኸል ዝገበረን ነቶም ሰብ ሞያተኛታት ዓቕሚ ዝፈጠረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment