ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህዝባዊ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዝተረኸቡ ዝበረታትዑ ውፅኢታት፣ ንህዝቢ ተጠቃሚ ንምግባር ኣብ ምምሕዳር አእታ ከተማ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ከምኡ እውን ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ስራሕቲ ልምዓት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ትኹረት ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ኣብ ዝተሰናደአ መድረኽ ዝተረኸባ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ንህዝቢ ምስማዕን ካብ ህዝቢ እታወታት ምርካብ ንዕዉትነት ስራሕና ወሳኒ ኢዩ” ኢለን።

ኣብቲ ሓበራዊ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ÷ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ከተማ ከምዝተረኸቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment