ኣብ ኩለን ክልላት ዘለዋ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ንሰራሕተኛታተን ሙሉእ መሃያ ንክኸፍላ ዘገድድ ውሳነ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)አዳብ ኩለን ክልላት ዘለዋ  ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ  ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ንሰራሕተኛታተን ሙሉእ መሃየኦም ንክኸፍላ ዘገድድ ውሳነ ከምዝተውሃበ ሚኒስቴር ትምህርቲ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ትምህርቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ብብርኪ ሃገር ሓደ ዓይነት ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ ዘኽእል ውሳነ ከምዝተሓላለፈ ገሊፁ።

እቲ ውሳነ ቅድሚ ምውሳኑ ኣብ 36 ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ከምዝተኻየደ ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ዶክተር ገረመው ሁሉቃ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ምስ ማሕበር ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ወለዲ ተምሃሮን ዝምልከቶም ኣካላትን ዘተ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ወለዲ ክቕበልኦ ዝግበአን ክፍሊት ቅድም ኢሉ ካብ ዘኽፍልኡ ዝነበራ 50 ክሳብ 75 ሚኢታዊ ጥራሕ ክኸውን ይግባእ ተባሂሉ።

እቲ ክፍሊት እንትሓታ ‘ውን ንዘምህርኦም ተምሃሮ ዘድሊ ትምህርቲ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ተበፃሒ ክገብራ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ክረኽብኡ ዝግበአን ትርፊ ተሓሳቢ እንተይገበራ ኣብ ስራሕ ንዘለዉ ሰራሕተኛታተን ተሓሳቢ ብምግባር ሙሉእ መሃያ ክኸፍላ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ኢኮኖሚኦም ዝተጎድአ ወለዲ ክፍሊቶም ብዝተናውሐ እዋን ንክኸፍሉ፣ ንምኽፋል ዓቕሚ ንዘይብሎም ድማ መረዳእታ ብምቕራብ ካብ ክፍሊት ናፃ ንክኾኑ ከምዝተወሰነ ተገሊፁ።

እቶም ውሳነታት ንኹሎም ክልላት ዝተልኣኹ እንትኾኑ፥ ካብ 12 ሚያዚያ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment