ኣብ ከይዲ መረፃ ዝለዓሉ ዘይምርድዳኣትን ክትዓትን ንምፍታሕ ዘኽእል ስልጠና ንዳኛታት ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራልን ክልል ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከይዲ መረፃ ዝለዓሉ ዘይምርድዳኣትን ክትዓትን ንምፍታሕ ዘኽእል ስልጠና ንዳኛታት ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራልን ክልላትን እናሃበ ከምዝርከብ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይተ ሰሎሞን ኣረዳ ነቲ ስልጠና ብመደረ ኸፊቶም።

ኣባል ኣመራርሓ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዶክተር ጌታሁን ካሳ፥ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ኣዋጅ መረፃን ስነ-ምግባርን ቁፅሪ 1162/11 ብዝምልከት ሰፊሕ ገለፃ ገይሮም።

ዳይሬክተር ኢንተርናሽናል ፋውንዴሽን ፎር ኢሌክቶራል ሲስተምስ ካንትሪ ራኬብ ኣባተ ብግደኦም፥ ከይዲ መረፃን ዓለም ለኸ መለክዒታትን ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ተሳተፍቲ ድማ ኣብ ከይዲ መራፃን ዓለም ለኸ መለክዒታትን ከምኡ እውን ኣብ ኣዋጅ መረፃን ስነ-ምግባርን ቁፅሪ 1162/11 ኣድሂቦም ጉጅላዊ ዘተ ኣካይዶም ኢዮም።

ላለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያን ኣብ ቅድመ ምድላው ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዘተ ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment