ኣብ ከይዲ መረፃ መጥቃዕቲ ሳይቨር ከየጋጥም ብፍሉይ ጠመተ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከይዲ መረፃ መጥቃዕቲ ሳይቨር ከየጋጥም ብፍሉይ ጠመተ እናሰርሐ ምዃኑ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታ ድሕንነትን ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር ሹመቴ ግዛው፥ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መረፃ ካብ ዘፈፅመሎም እታወታት ሓደ ዝጥቀመሎም ቴክኖሎጂታትን ስርዓት ኣሰራርሓን ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ “መዳርግቲ ኣካላት መረፃ ኣብ ምህዳር ኣጠቓቕማ ሳይበር ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ኣለዎም” ኢሎም።

ኣብ ከይዲ መረፃ፥ ቴክኖሎጂታትን ኣሰራርሓታትን መጥቃዕቲ ሳይበር ከየጋጥም ኤጄንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ድጋፍን ክትትልን እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንመጥቃዕቲ ሳይበር እንተተቐሊዖም ሃገርን ህዝቢን ክጎድኡ ዝኽሉ ትካላት ብምፍላይ ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣገንዚቦም።

ካብ ሞንጎ እቶም ትካላት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሓደ ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶክተር ሹመቴ፥ ሕፁያት ተወዳደርቲ፣ ፓርቲታት ፖለቲካን ምስ መረፃ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝራኸቡ ትካላት ዒላማ መጥቃዕቲ ሳይበር ክኾኑ ስለዝኽእሉ ጥንቃቐ ንኽገብሩ ምዒዶም።

ሰርሰርቲ ሓበሬታ ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ብምፍናውን ሓበሬታ ብምውዛዕን፤ ተግባር ምምስቕቓል ሓበሬታ ክፍፅሙ ከምዝኽእሉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ዶክተር ሱመቴ፥ መዳርግቲ ኣካላት መረፃ “መጥቃዕቲ ሳይበር በፂሑና” ኣብ ዝብሉሉ እዋን፤ እቲ ኤጀንሲ ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment