ኣብ ከይዲ ህዝቢ ዘቐደመ ስብእና ምቕራፅ ግደ መምህራን ልዑል ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዜጋታት ሙሉእ ሰብ ንክኾኑ ብምግባር ሃገርን ህዝብን ዘቐደመ ስብእና ኣብ ምቕራፅ ግደ መምህራን ልዑል ኢዩ ክብሉ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣገንዚቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ናይ ክረምቲ ፍሉይ መርሃ ግብሪ ስልጠና መምህራንን ኣመራርሓ ኣብያተ ትምህርቲን መኽፈቲ ብኢንተርኔት ኣጀሚሮም።

ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ጉዕዞኣ ደው ዘይትብል ኢትዮጵያ ኣብ ምቕራፅ መምህራን ሓላፊነቶም ንክዋፅኡ ሓቲቶም።

መምህራን ኣብ ዓውዶም መተሃደራት ሃገር ምዃኖም ኣገንዚቦም።

ንዜጋታት ሙሉእ ሰብ ንክኾኑ ብምግባር ሃገርን ህዝብን ዘቐደመ ስብእና ኣብ ምቕራፅ ግደ መምህራን ልዑል ኢዩ ክብሉ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣገንዚቦም።

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ብግደኦም፥ 60 ሺሕ መምህራንን ኣመራርሓ ኣብያተ ትምህርቲን ኣብ 28 ዩንቨርስቲታት ሰልጠና ከምዝወስዱ ተዛሪቦም።

እቲ ስልጠና ብፍሉይ ትኹረትን ክትትልን ከምዝትግበር እውን ሓቢሮም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

Comments (0)
Add Comment