ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡ ጣቢያታት መከፋፈልቲን መተሓላለፊን ሓይሊ እቶም ሓሙሽተ ፈተነ ምምሕልላፍ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከይዲ ህንፀት ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ጣቢያታት መከፋፈልቲን መተሓላለፍቲን ሓይሊ እቶም ሓሙሽተ ፈተነ ምምሕልላፍ ከምዝጀመሩ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ ትካል ካብ 132 ኪሎቮልት ክሳብ 500 ኪሎቮልት ዘለዉ ልዑል ሓይሊ ዝሽከሙ መስመራት እናዘርገሐ ይርከብ።

ጣቢያታት መፈልፈሊን መከፋፈሊን ሓይሊ ብምህናፅ እውን እናመሓደረ ይርከብ።

ካብ ግድባት ኢትዮጵያ ዝፍልፍል ሓይሊ ናብ ተረባሕቲ ንምብፃሕ፥ ሓይሊ ካብ ምፍልፋል ክሳብ ምክፍፋል ዝበፅሑ ተግባራት ከምዝሰርሕ ተገሊፁ፡፡

ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን ሐሣይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ሞገስ መኮንን ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ትካል 16 ዓበይቲ መመሓላለፍቲን መከፋፈልቲን ሓይሊ እናሃነፀ ይርከብ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ እቶም ሓሙሽተ ንኣገልግሎት ድሉዋት ንምግባር ስራሕቲ ፈተነን ፍተሸን እናተገበረሎም ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

እቶም ፕሮጀክታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ኣገልግሎት ዝህቡ ከምዝኾኑ እውን እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም።

ገናሌ ዳዋ ሶስተኛ-ይርጋለም-ወላይታ ሶዶ፣ ባህርዳር-ወልድያ-ኮምቦልቻ፣ ኣቃቂ-ደብረ ዘይት-ሞጆ ጊንጪን ኣዲስ ኣበባ-ጊቤ ክልተን፥ ካልኣይ ሰርኪዩት ህንፀቶም ሙሉእ ብሙሉእ ዝተዛዘሙ ፕሮጀክታት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment