ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር መናእሰይ ዘለዎም ግደ ዝምክልከት ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር መናእሰይ ዘለዎም ግደ ዝምክልከት ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ብሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፀግና ዝተዳለወ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለዉ ሙሁራን ዝተኻተቱሉ ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ ልዕሊ 1 ሺሕን 100 ከተማታት ምኸንያታዊ መንእሰይ ንምፍጣር ዝዓለመ ዘተ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብቶም ዘተታት ተሳትፎ ሙሁራን ንምውሳኽ ዓሊሙ ኢዩ መድረኽ ዘተ ሙሁራን እናተሳለጠ ዝርከብ።

“ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስትን ብሄረ መንግስትን ግደ መናእሰይ” ብዝብል ርእሲ ኢዩ እቲ ዘተ እናተኻየደ ዝርከብ።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣብ ዝካየድ ዘተ መናእሰይ፥ ልዕሊ 5 ሚሊየን ዜጋታት ከምዝባፃሕ ኣብቲ መድረኽ ምግላፁ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment