ኣብ ከተማ ጎንደር ዓቢዪ ዓውደ ምርኢት ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዓቢዩ ዓውደ ምርኢት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ህንፃ ራስ ጎንደር ተኸፊቱ፡፡

ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ልዕሊ 150 ዓመታት ኣብ ስደት ዝፀንሐ ቁናኖ ሃፀይ ቴዎድሮስን ካልኦት 21 ሓድጊታትን ንምርኢት ህዝቢ ክፍቲ ኮይኖም፡፡

በዓል ጥምቀት ኣብ ጎንደር ንምዕዳም ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ናብ ከተማ ጎንደር እናኣተዉ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ ጎንደር እውን ኣጋይሻ እናተቐበለት ትርከብ፡፡

ጎድና ጎድኒ ምኽባር በዓል ጥምቀት ድማ ሲምፖዚየም፣ ዓውደ ምርኢትን ባዛርን፣ ናይ ጎደና ጉያ፣ መርሃ ግብሪ እንግዶት ድራር ንጉስን ምስጋናን እናተኻየዱ ይርከቡ፡፡

ቁናኖ መስራቲ ዘበናዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሃፀይ ዮሃንስ ንምርኢት ህዝቢ ክፍቲ ምዃኑ ንደልያ ኢትዮጵያ ንምምስራት ተምሳሌት ሓድነት ኮይኑ ከገልግል ኢዩ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ይልቃል ከፋለ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፡፡

ኣብ ታሪኽ በረራ ውሽጢ ዓዲ ክብረ ወሰን ዝኾነ መጠን ኣብ ጎንደር ተመዝጊቡ ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ይልቃል፥ እዚ ድማ እቲ ከበቢ ሰላም፣ “ዝተረጋገአን ንኣጋይሽ ምቹው ምዃኑን መርኣያ ከምዝኾነ ኢዩ” ምባሎም ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment